ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣካላዊ ንጽህና ርሕሚ

ንግዳማዊ ገጽታ ርሕምኽን መዓልታዊ ሕጸብኦ።

ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ ተፈጥሮኣዊ ዓቐን ኣሲድነት ኣለዎ። ንርሕሚ ካብ ረኽስታት ይከላኸለላ። ስለዚ፡ ኣብ ርሕምኽን ዘሎ ዓቐን ኣሲድነት ከይተበላሽዋኦ ክትጥንቀቓ ኣለክን።

  • ንርሕምኽን፡ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት እናደረዝክን ብማይ ሕጸባኦ።
  • ጨና ዘለዎ ሳሙና ኣይትጠቐሙ። ሳሒ ዘይፈጥር ንቡር ሳሙና ተጠቐሙ። ዝኾነ ሳሙና ዘይምጥቃም፡ ተመራጺ እዩ።
  • መሃንቱስክን፡ ካብ ርሕምኽን ኣርሒቕክን ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት ሕጸባኦ።

ጓለንስተይቲ፡ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ርሕማ እናሓጸበት። ሳሙና ኣይትጥቀምን ዘላ።

ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ታምፖን ወይ ናይ ጽሬት መሓበሲ ብቐጻሊ ቀያይራ።

ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ጸጉሪ ብልዕተን ይላጽያ። እዚ፡ ኣዝዩ መሳጢ ኰይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዑክን ክትገብርኦ ትኽእላ ኢኽን፡ እንተዀነ ንጽቡቕ ኣካላዊ ንጽህናኣካላዊ ንጽህናንጽህና ማለት ናይኣካላትካ ጽሬት ምሕላው ማለት’ዩ። ንሱ ናይ ምሕማም ስግኣት የጉድል።ብዙሕ ምንባብ ግን ኣገዳሲ ኣይኮነን።

ርሕምኽን ብግቡእ እንተ ደኣ ተኸናኺንክን፡ ብረኽስታት ርሕሚ ክትጥቅዓ ዘሎ ትኽእሎ ዝወሓደ እዩ።