ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ናይ ጾታዊ ርክብን ናይ ምፍራይን መሰላት ኣየኖት እዮም፧

ጾታዊን ናይ ምፍራይን መሰላትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ክፋላት እዮም። ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕግታትን ዓለምለኻዊ ውዕላትን ተጻሒፎም ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ፌርማአን ኣንቢረናሎም እየን። ነዜራልንድስ እውን ፌርማኣ ኣንቢራትሎም እያ፡ ስለዚ ነዞም መሰላት እዚኦም ከተኽብር ኣለዋ።

ጾታዊ መሰላትጾታዊ መሰላትጾታውነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክምኮሮ/ክትምኮሮ ዘለዎምን፡ ክነብሮን/ክትነብሮ ዘለዎ/ዋ መሰል እዩ። ንኣብነት፡ መጻምድቲ ናይምምራጽ…ብዙሕ ምንባብ

ጾታዊ መሰላት ክኽበሩ እንከለዉ፡ ሰባት ዘዕግብን ውሑስን ጾታውን ፍቕራውን ሂወት ከስተማቕሩ ይኽእሉ።

እዚ ማለት፡ እዞም ዝምድናታት እዚኣቶም፡ ካብ ኣስገዳድነት ወይ ከኣ ጎነጻዊ ተግባር፡ ከምኡ’ውን፡ ብዘይ ፍርሒ ናይ ረኽሲረኽሲረኽሲ፡ ሓደ ጀርሚ ናብ ሰብነት ኣትዩ ዕንወት ምስ ኣስዓበ የጋጥም። ጀርም፡ ቫይረስ፡ ባልዕ፡…ብዙሕ ምንባብ ወይ ዘይተደልየ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ናጻ ዝኾኑ እዮም።

ናይ ምፍራይ መሰላት

ናይ ምፍራይ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ምስ ጥንሲ፡ ሕርሲሕርሲመስርሕ ሕርሲ ወይ ምውላድ ዕሸል።ብዙሕ ምንባብ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ቈልዓ ምውላድን መዓስ ክትወልድ ከምዘለካ ምውሳንን ዝተኣሳሰረ እዩ። ናይ ምፍራይ መሰላት ምስ ዝኽበሩ፡ ደቂ-ኣንስትዮ መዓስ ክጠንሳ፡ መዓስ መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀማ ወይ መዓስ ምንጻል ከካይዳ ከምዝደልያ ክመርጻ የኽእለን።

እዞም መሰረታዊ ናይ ጾታዊን ናይ ምፍራይን መሰላት ዝበሃሉ ኣየኖት እዮም፧

ብሂወት ናይ ምንባር መሰል

ኣብ እዋን ጥንስን ሕርሲን፡ ካብቲ ዘሎ ሕክምና እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለክን። ንሂወትን ጥዕና ናታትክንን ናይ ናጽላኽንን ንምሕላው፡ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኵሉ’ቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ክገብሩ እዮም። 

ውልቃዊ ናጽነትን ድሕነትን ናይ ምርካብ መሰል

ንኣካላትኩምን ንጾታዊ ሂወትኩምን ናይ ምቁጽጻር መሰል ኣለኩም። ንጾታዊ ርክብ ናይ ምስትምቓርምስትምቓርደስታ ክስምዓካ፡ ንኣብነት ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ።ብዙሕ ምንባብ መሰል ኣለኩም፡ ከምኡ ድማ መዓስ ቈልዓ ትወልዱን ኣይትወልዱን፡ ከምኡ’ውን ክንደይ ቈልዑ ክትወልዱ ከምእትደልዩ ናይ ምውሳን ናጽነት ኣለኩም።

ብተወሳኺ፡ ኣስገዳድነት፡ ኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛን ብሕጊ ክልኩላት እዮም ማለት እዩ።

ናይ ማዕርነትማዕርነትእዚ፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ ኰይኖም፡ ብኸምኡ ድማ ክትሓዙ እንከለዉ እዩ። እዚ ማለት ንስኻትኩም ደቂ-ተባዕትዮ…ብዙሕ ምንባብ መሰል

ማዕረ ኣተኣላልያ ናይ ምርካብን ከምኡ ድማ ብሰንኪ ዓሌትን መበቆል ሃገርን፡ ብሰንኪ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣረኣእያ፡ ኵነታት ጥዕና፡ ጾታዊ ባህርያት፡ ወዲ ወይ ጓል ምዃን፡ ወይ ድማ ብዝኾነ ካልእ ምኽንያታት ኣንጻርኩም ኣድልዎኣድልዎንኣብነት ካልእ ሕብሪ ቆርበት፡ ጾታ ወይ ድማ ኣረኣእያ ጾታ ወይ ድማ HIV ስለ…ብዙሕ ምንባብ ናይ ዘይምግባርን መሰል ኣለኩም። ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ማዕረ መሰል ኣለዎም

ናይ ምስጢርነት መሰል

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ፡ ብዘይ ፍርሒ ኣሉታዊ ግብረመልስታት ወይ ግፍዒ፡ ብናጽነት ናይ ምውሳን መሰል ኣለኩም። እዚ ማለት፡ እቶም ኣብ ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዝሰርሑ ሞያውያን ምስጢርነትኩም ከኽብሩልኩም ኣለዎም። ንሳቶም፡ ንሓበሬታኹም፡ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎም። ብዘይ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝምርመር ዘሎ ሰብ፡ ውጽኢታት ናይ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ንኻልኦት ሰባት ምንጋር ክልኩል እዩ።

ናይ ሓሳብ ናጽነት መሰል

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ጾታዊ ጥዕናን፡ ናይ ባዕልኹም ርእይቶ ክትህቡን ብዛዕብኡ ናይ ምዝርራብ መሰልን ኣለኩም።

ናይ ሓበሬታን ናይ ትምህርቲን መሰል

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ናይ ምፍራይ ጥዕናን ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም ዘበለ ኵሉ ሓበሬታን ትምህርቲን ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ንኣብነት፦ ብዛዕባ ኣካላትኩም ብኸመይ ከምዝሰርሕ፡ ብዛዕባ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲን ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን (STIs) ሓበሬታ ምርካብ።

ናይ ምምርዓውን ዘይምምርዓውን፡ ስድራቤት ናይ ምጅምኣርን ናይ ምውጣንን መሰል

ዝኾነ ሰብ ነዞም ውሳነታት ክትውስኑ ከገድደኩም ወይ ኣብ ክንዳኹም ኰይኑ ክውስነልኩም መሰል የብሉን። ንመን ክትምርዓዉ ከም እትደልዩ ክትመርጹ ትኽእሉ። 

ቈልዑ ናይ ምውላድን ዘይምውላድን መሰል ኣለኩም

ከም ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ውሽጢ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ዝኣቱ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ወይ ከኣ ኮንዶም ዝኣመሰሉ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም።

ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል

ኣብ ኔዘርላንድ፡ ኩሉ ሰብ ማለት ዋላ እቶም ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት፡ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ብ ኤች.ኣይ.ቪ እተለኽፈኤች.ኣይ.ቪ እተለኽፈብ ኤች.ኣይ.ቪ እተለኽፈ ሰብ እንተድኣ ኾንካ፡ ኤችኣይቪ ኣዎንታ ትበሃል። ኤች.ኣይ.ቪ እተለኽፈ ሰብ፡ ተሰካሚ…ብዙሕ ምንባብ እንተ ኮይንኩም፡ መንግስቲ ነዜርላንድስ ሕክምና ናብ ዘይትረኽበሉ ሃገር ክሰደኩም ኣይኽእልን እዩ።

ኣኼባ ናይ ምእካብን ኣብ ፖለቲካ ናይ ምስታፍን መሰል

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ናይ ምፍራይን መሰላትን ንምዝርራብ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ምእካብን፡ እዞም መሰላት ይኽበሩ ምህላዎም ንምርግጋጽ ስጉምቲ ናይ ምውሳድን መሰል ኣለኩም። ንቕሓት ክብ ንምባል ናይ ምስራሕ ወይ ፖለቲከኛታት ነዞም መሰላት ንምሕላው ውሳነታት ከሕልፉ ናይ ምሕታትን መሰል ኣለኩም።

ካብ ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ናጻ ናይ ምዃን መሰል

ካብ ኵሎም ምስ ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ዝተሓሓዙ ጎነጻዊ ተግባር፡ ንኣብነት ካብ ጾታዊ ውርደት፡ ጽዩፍ መጥቃዕቲ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲንግዲ ደቂ-ኣዳምግህሰት ህጻናት ወይ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምሕላው መሰል ኣለኩም።