ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት

ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤትውጥን ስድራቤትስድራቤትካ ክትውጥን እንከለኻ፡ መዓስን ክንደይ ዝኣኽሉ ውሉድ ክህልዉኻ ከም እትደሊ ምውሳን ማለት’ዩ። ነዚ…ብዙሕ ምንባብ ማለት ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ዘይምጥቃም ማለት እዩ።

እተፈላለዩ ሜላታት ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት ኣለዉ፡

  • ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ዘይምግባር። ይኹን እምበር፡ ሰባት ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ክፍጽሙ ባህርያዊ እዩ።
  • እታ ጓለንስተይቲ ኣብ እትጸግየሉ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘይምግባር። እዚ ዓይነት ኣገባብ፡  ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ዝተሓዘሉ ግዜ ምፍላጥ ይበሃል። ይኹን እምበር፡ ጓለንስተይቲ ኣበየናይ መዓልቲ ክትጠንስ ከምእትኽእል ምፍላጥ ከቢድ እዩ።
  • ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናውካ መትሎኻ ካብ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ ምውጻእ።
  • ጡብ ምጥባው

ህርመታዊ ሜላ፦ ጓለንስተይቲ መዓስ ኣብ ጽግያት እትኸውንን መዓስ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከምዘይብላን ምቕማር ከቢድ እዩ

ኣገባብ ጥንሲ ዝተሓዘሉ ግዜ ምፍላጥ

ኣገባብ ጥንሲ ዝተሓዘሉ ግዜ ምፍላጥ ክጥቀም ከለኻ፡ ኣብቲ እታ ጓለንስተይቲ ጥንሲ ክትሕዝ ልዑል ተኽእሎ ኣብ እትርከብሉ መዓልታት፡ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም እዩ ወይ ድማ ጥንሲ ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ንምትሓት ቅድመ ጥንቃቐ ምግባር እዩ። ኣብ ዑደትዑደትኣብ ሞንጎ’ታ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ጓለንስተይቲ' ወርሓዊ ጽግያት ክሳብ’ታ ቀዳመይቲ መዓልታት ናይታ ትቕጽል…ብዙሕ ምንባብ ናይ ጽግያትጽግያትሓደ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ወሃዮ እንቋቊሖምስ ዝኣቱ የጋጥም። ዝተፋረየየ ወሃዮ እንቋቊሖ…ብዙሕ ምንባብ፡ ጥንሲ ዝተሓዘሉ መዓልታት እትግምተሉ ብዙሓት ኣገባት ኣለዉ። እዚኣቶም ግና፡ ካብ’ቲ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲ ገይርካ እትገብሮ ኣገባብ፡ ዝወሓደ ተኣማንነት ዘለዎም እዮም። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ፡ ብትኽክል ሓደ ዓይነት ንውሓት ዑደት ናይ ጽግያት ዘለወን ውሑዳት ደቂ-ኣንስትዮ ኣለዋ። እንቋቚሖ ዝጽፈየሉ መዓልቲ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ክፈላለ ይኽእል። ነዞም ኣገባባት ብሓባር እንተ ተጠቐሚካሎም፡ ንጽፍዮ እንቋቚ ብኣዝዩ ዝቐረበ ልክዕነት ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።  

  • ኣገባብ ዓወደ ኣዋርሕ፦ ጽፍዮ እንቋቚሖ፡ 14 መዓልታት ቅድሚ ወርሓዊ ጽግያትወርሓዊ ጽግያትኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ' ብርሕሚ ጓለንስተይቲ ደም ምፍሳስ። ወርሓዊ ጽግያት ብውሕዱ ንውሑዳት መዓልታት…ብዙሕ ምንባብ እዩ ዝካየድ። ኣዝዩ ስሩዕ ዑደት እንተለክን ኰይኑ፡ ጽፍዮ እንቋቚሖ ብግምት መዓስ ከምዝኸውን ክትቅምርኦ ትኽእላ ኢኽን። 7 መዓልታቲ ቅድሚ’ቲ ዝተገመተ ጽፍዮ እንቋቚሖ፡ ከምኡ ድማ 2 መዓልታት ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዘይ ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ልዑል ተኽእሎ ጥንሲ ምሓዝ ከስዕብ ይኽእል። ኣብ ዑደት ናይ ጽግያት፡ ኣዚኽን ርግጸኛታት ንምዃን፡ ንዕለት 8ን ዕለት 19ን እተን ጥንሲ ከጋጥም ዘኽእላ ኣዝየን ሓደገኛታት መዓልታት ኢልክን ክትመርጽአን ትኽእላ ኢኽን። 
     
  • ሙቐት ምጥቃም፦ ሙቐት ኣካላት ድሕሪ ጽፍዮ እንቋቚቖ፡ ብዝለዓለ ብ 0.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ይውስኽ። ድሕሪ ንግሆ ምትንሳእክን፡ ሙቐት ኣካላትክን እንተ ዓቂንክናኦን ብስሩዕ መዝገብ ሒዝክንን፡ መዓስ እንቋቚሖ ትጸፍያ ክትፈልጣ ትኽእላ። ነዚ ለውጢ ናይ ሙቐት፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ናይ ተመሳሳሊ መዓልቲ እንተ ኣስተውዒልክናኦ፡ ጽፍዮ እንቋቚሖኽን ንምግማት ክትጥቀማሉ ትኽእላ ኢኽን። 7 መዓልታቲ ቅድሚ’ቲ ዝተገመተ ጽፍዮ እንቋቚሖ፡ ከምኡ ድማ 2 መዓልታት ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ልዑል ተኽእሎ ጥንሲ ምሓዝ ከስዕብ ይኽእል። 
     
  • ኣገባብ ኣብ ክሳድ ማህጸንክሳድ ማህጸንኣብ ታሕቲ ናይ ማህጸንዘሎ ጸቢብ መእተዊ፡ ማለት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ ርሕሚዝርከብ። ኣብ…ብዙሕ ምንባብ ብዝርከብ ልፋጭ፦ ነቲ ኣብ ክሳድ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ዝርከብ ልፋጭ ተዓዘብኦን ኣተውዕላ። ጽፍዮ እንቋቚሖ ይመጽእ እንተሎ ኰይኑ፡ ምፍታሕ ናይ ርሕሚ ኣዝዩ ንጹርን ዝርጉሕን እዩ ዝኸውን። ኣብ’ዚ እውን፡ እቲ 7 መዓልታቲ ቅድሚ’ቲ ዝተገመተ ጽፍዮ እንቋቚሖ፡ ከምኡ ድማ 2 መዓልታት ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ልዑል ተኽእሎ ጥንሲ ምሓዝ ከስዕብ ይኽእል ዝብል ግብራዊ ይኸውን። 

ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናውካ መትሎካ ካብ ርሕሚ ምውጻእ

ንምተሎኻ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናውካ ካብ ርሕሚ ምውጻእ፦

  • ሓደ ወዲ-ተባዕታይ፡ ቅድሚ ዘርኢ ምፍሳሱ፡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዘለዎ ቁሩብ ፈሳሲ ጸረር ከብል ይኽእል እዩ።
  • ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝፍንወሉ ቅጽበት መዓስ ከምዝኸውን ብንጹር ምፍላጥ ከቢድ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጥርዚ ስምዒት፡ ንምቁጽጻሩ ዝኸብድ ወይ ፈጣንን ሃንደበታዊን እዩ። ስለዚ፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናዉ መትሎመትሎናይ ወድተባዕታይ ጾታዊ ኣካል። መትሎ ንጾታዊ ርክብ (ምፍሳስ ዘርኢ) ወይ ንምሻን ይጠቅም።ብዙሕ ምንባብ ካብ ርሕሚ ምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
  • እቲ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ኣብ ጥቓ ርሕሚ እንድሕር ኣፍሲሱ፡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ናብ ርሕሚ ክልሕኹ ይኽእሉ እዮም። እዚ እንተኾይኑ ከኣ፡ እታ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ ትኽእል እያ።

ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናውካ መትሎካ ካብ ርሕሚ ናይ ምውጻእ ኣገባብ፦ እቲ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናዉ መትሎኡ ካብ ርሕሚ የውጽእ።

ጡብ ምጥባውጡብ ምጥባውሓንቲ ኣደ ንውላዳ ኣብ ክንዲ ካብ ጥርሙዝ እተስትዮ፡ ካብ ኣጥባታ ጸባ ጡብ ክትምግቦ…ብዙሕ ምንባብ

እቲ ናይ ጡብ ምጥባው ሜላ ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፦

  • እቲ ኣገባብ፡ እታ ኣደ ድሕሪ ምሕራሳ  ኣብ ዝቕጽላ ዘለዋ 6 ኣውራሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ጌና ወርሓዊ ጽግያታ ምስ ዘይህልዋ ጥራይ እዩ። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ፡ ዋላ  ወርሓዊ ጽግያትክን ጌና ኣይሃልወክን፡ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ክትጥቀማ እቲ ዝበለጸ እዩ። ንኣብነት፡ ኮንዶም ወይ ከኣ ደቂቕ-ከኒና
  • እታ ኣደ ንቈልዓኣ ጸባ ጡብጸባ ጡብካብ ጡብ ጓለንስተይቲ' ዝወጽእ ጸባ። ደቂ-ኣንስትዮ ንህጻናተን ብጸባ ጡበን ክምግብኦም ይኽእላ።ብዙሕ ምንባብ ጥራይ እያ ክትምግቦ ዘለዋ። እዚ ማለት፡ እቲ ቈልዓ ጸባ ጡብ ጥራይ ይምገብ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ቈልዓ፡ ኣብ ግዜ ቀትሪ ዝጠብየሉ፡ ካብ ውሽጢ 4 ሰዓት ኣፈላላይ ክበዝሕ የብሉን፡ ኣብ ግዜ ለይቲ ዝምገበሉ ድማ ካብ ውሽጢ 6 ሰዓት ኣፈላላይ ክነውሕ የብሉን።
  • እታ ኣደ ጸባ ጡባ ሓሊባ ኣይኮነትን ክትህቦ ዘለዋ። ምሕላብ ጸባ ማለት ነቲ ጡብ ኢድካ ተጠቒምካ ጸሚቕካ ወይ ከኣ ፓምፕ ተጠቒምካ ጸባ ካብ ጡብ ምምጣጥ ማለት እዩ።

እዞም ረቛሒታት እንድሕር ዘይተማልኣ ኰይንክን፡ ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ። ጡብ ኣብ እተጥቡዋሉ እዋን፡ ኮንዶም ወይ ደቂቕ-ከኒና ምጥቃም ዝሓሸ እዩ።

ንቈልዓኣ ጡብ እተጥቡ ጓለንስተይቲ።

ኣመና ኣድማዒ ኣይኮነን

ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት ብግቡእ ምጥቃም ከቢድ እዩ። እዞም ሜላታት ብግቡእ እንድሕር ዘይተጠቒምክናሎም፡ ክትጠንሳ ትኽልእላ ኢኽን። 

እንተ ደኣ፡  ቈልዑ ክትወልዳ ዘይትደልያ ኰይንክን፡ ካልእ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀማ፡ እቲ ዝበለጸ እዩ። ካብ ሓኪም ወይ መሕረሲት ማዕዳ ሕተታ

ኣመና ኣድማዒ ኣይኮነን

ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን

ተፈጥሮኣዊ ሜላታት ውጥን ስድራቤት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ወይ ከኣኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልክን ኣይክእልን እዩ። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።